You are currently viewing ሰማእታትና

ሰማእታትና

  • Post author:
  • Post last modified:June 28, 2026
  • Post comments:0 Comments
  • Reading time:1 min read

ሰማእታትና ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ፣ ህዝባ ምድራ ባሕራ ክሊ ኣየራን ልኣላውነታ ተሓልዩን ተኸቢሩን ካብ ውሉድ ወልዶ ንክቕጽል፣ ንስኻ ጽናሕ ኣነ ክሓልፍ ብምባል በጃ ስለዝሓለፉ፣ ሕድሮም ንምፍጻም፣ ብሓቕን ብግብርን ብሓድነትን ብልዑል ሃገራዊ ንቕሓትን ወትሩ ክንዝክሮም ይግባእ። በዚ ሓሳብ ከኣ ኣባላት ብድሆ ስዊስ ኣብ ካንቶን ኣራው ብዕለት 19 ሰነ 2026 ሰማእታቶም ዘኪሮም።
ንሕና ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ እንነብር ኤርትራውያን ዜጋታት ኮይንና፣ ብዛዕባ ዕላማን ራኢን ናይ መጻኢ ቀጻሊ ወለዶ እንሓስብን እንሰርሕን ኮይና፡ ብፍቅርን ሓድነትን፣ብሓባር ተጠርኒፍና ክንዓቢ እንሰርሕ፡ ሓላፍነታውያን ኮይና ድማ ንቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ባህላዊን ምዕባለ ማሕበረሰብና ንምድፋዕ ንሰርሕ።

እቲ መሰረታዊ እምነትናን ጻዕርናን፡ ዓወት ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ሓባራዊ ናይ ሕብረተሰባዊ ዕብየት ክህሉወና ብጻዕሪ ሰሪሕና፡ ውጽኢት ክንረኽበሉ ከም ቀዳማይ ዕላማን ምዃኑ ክንገልጽ ንፈቱ።
ስለዚ ድማ ሕብረተሰብና ብሓባር ክሰርሕ ፣ ፍልጠትን ተሞክሮን ክለዋወጡ፣ ከምኡ’ውን ቁጠባዊ ዓቕሞም ከማዕብሉ ዘኽእል ምቹእ መድረኽ ወይ ባይታ ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ።

ራእይናን ጻዕርናን ሓያል፣ ዝተወደበን ኣብ ልዕሊ ምሉእ ምትእምማን ዝተመስረተን ማሕበረሰብ ምህናጽ እዩ።
ንሕና ብሓባር ክንሰርሕ፣ ክንቑጥብ፣ ከነውፍርን ክንዕወትን ከም እንኽእል ኣሚና ከኣ ንጓዓዝ።
ብተወሳኺ፣ ቋንቋና፣ ባህልና፣ ልምድታትናን ሃገራዊ ሓባራዊ ክብርታትናን ብምዕቃብ፣ ኣብ መንጎ ወለዶታት ዝምድና ብምሕያልን ኣብ ስዊዘርላንድ ዘሎ ማሕበረሰብ ብኣወንታዊ መንገዲ ንምስታፍን ንሰርሕ።
ኣብ ሎሚ እዋን፣ ኣብ መጻኢ ድማ፣ ብሓባር ብምስራሕ ንኣባላትና ዝጠቅምን ንማሕበረሰብና ዘበርክትን ፕሮጀክታት ንምፍጣር ቆሪጽና ተበጊስና ኣብ ስራሕ ንርከብ።

መሪሕ ቃልና!
“ብሓባር ንሰርሕ፣ ብሓባር ንዓቢ፣ ብሓባር ንዕወት።”

 

Leave a Reply