You are currently viewing ዕላማን ራኢን ናይዚ ንድፊ/ፕላትፎርም፡

ዕላማን ራኢን ናይዚ ንድፊ/ፕላትፎርም፡

  • Post author:
  • Post last modified:June 28, 2026
  • Post comments:2 Comments
  • Reading time:1 min read

እዚ ፕላትፎርም እዚ ንሓድነት፣ምክብባር፡ ምትሕብባርን  ግሉጽነትን ንቁሕ ተሳትፎን ህዝብና ንምዕባይን ምድልዳልን ዝተመስረተ ናይ ንቕሓትን ዕብየትን ሓባራዊ መድረኽ እዩ። ሓበሬታ ምልውዋጥ፣ ሓሳባት ምክፋል፣ ሓባራዊ ጉዳያት ምዝታይን ኣብ ምዕባለ ማሕበራዊ ውዳበታትና ንቅሓት ዝመልኦ ተሳትፎ ንምዕባይን፡ ብትሕትናን ብብስለትን ስልጡን ዝኾነ ሓበሬታት ዝወሃበሉ ባይታ ኢዩ።

እዚ ፕላትፎርም ኣብ መንጎ ኣባላት ምትእምማን፣ ምክብባር፣ ተሓታትነትን ምትሕብባርን ብምድልዳል፣ ንሓያልን ሓቋፍን ጥርናፈን ውዳበን ንምህናጽ ዝዓለመ ኢዩ። ብተወሳኺ ባህላዊ፣ ትምህርታዊን ማሕበራዊን ክብርታት ብምዕቃብን ብምዕባይን፣ ብፍላይ ከኣ ንኹሎም መንእሰያትን ደቀንስትዮን ዕድላት ተሳትፎ ብምፍጣር፣ ኣወንታዊ ኣስተዋጽኦ ኣብዚ ሕብረተሰብ ንምግባር ይሰርሕን ይጽዕርን።

እዚ ፕላትፎርም ብሓድነታዊ ስነ-ሓሳብ፣ ፍትሒ ዝመሎኦ፣ ብግሉጽነትን ማዕረ ተሳትፎን እናተመርሐ፣ ንድምጺ ኩሉ ኣባል ዝሰምዕን ንረብሓ ኩሉ ሕዝብና ዝሰርሕን ሓባራዊ መድረኽ ንክኸውን ይጽዕር።

ልዕሊ ኩሉን ኣገዳስን ከኣ ትሕትና ዝመሎኦን ምክብባር ዘለዎን ኣገዳሲ ሓበሬታን ትምህርትን ዘለዎ ባይታ ናይ ምብብህሃል ክኸውን ግዴታ ኢዩ። 

ሓድነትና ሓይልና 

ምትሕብባርና መሰረት ዓወትና!

This Post Has 2 Comments

  1. Tse

    Hi

  2. Any

    Kem kemey

Leave a Reply