You are currently viewing መሰረተ ዕላማ ብድሆን ዝሓለፎም ብድሆታትን ዝተጓናጸፎም ዓወታትን

መሰረተ ዕላማ ብድሆን ዝሓለፎም ብድሆታትን ዝተጓናጸፎም ዓወታትን

  • Post author:
  • Post last modified:September 14, 2026
  • Post comments:5 Comments
  • Reading time:4 mins read

[ ዕላማ ብድሆ ዋልታ ስዊዝ ]
ዕላማ ምትእኽኻብ ብድሆ ዋልታ ስዊዝ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብቐጻሊ መረዳእታ ክወሃብ ስለዝጸንሐ ብሩሁን ርዱእን ኮይኑ ነዚ ኣብ መላእ ኤሮጳ ኣሜሪካን ካናዳን ኣብ 2022 ዝጀመረ ዕስለ ምትእኽኻብ ጸረ ሃገርን ሃገራውነትን ዝዓጠቐ ዑሱብ ብስም ብርጌድ ንሓመዱ ዝተጠመቐ ዘራጊቶ ዳስ ሃገራውን ባህላውን ውራይ ግብረሽበራ ንምክያድ ዘንቀደ ንምክልኻልን ቅስሙ ንምስባርን፡ ብሕግን ብእኩብ ክብርታትትናን ናይ ምእካብ መሰልና ንምውሓስ እዩ ኔሩ። ገለ ካብቲ ዘሕፍርን ዘይስነምግባራዊ ኣካይዳን ዝተኸተሎ ድማ ዳሳት ምፍራስ፡ዓበይቲ ሰብ ጸጋ ዕድመን ህጻናትን ምስንባድ ብሓፈሻ ሰብ ኣብ ሃገራዊ በዓላት ብናጽነት ንኸይንቀሳቐስን ራዕዲ ፈጢርካ ካብ በዓላቱ ንምብኳርን ዝዓለመ ሕሱር ፉንፉን ፍጻመታት እዩ ኔሩ።
ኣብ 2023 ድማ እዞም ዕስለ እናገበሉን ስምዒታትን ንጥፈታትን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ምስ ጀመረ ድማ ነዚ ዕስለ’ዚ ደረት ንምሓዝ ኩሉ ኣብ ሃገርን ሃገራውነትን ዝኣምን ትካላዊ ኣሰራርሓ ተኸቲሉ ብውዳበታት ተጠርኒፉ እጅግኡን ብልሑን ሰብሲቡ ነዚ ዕስለ ባዶ ኣእምሮ ልጓም ክገብረሉ ድልውነቱ ኣረጋጊጹ።
ብድሆ ዋልታ ስዊዝ ድማ ኣካል ናይዚ ምድላዋት’ዚ ኮይና ብኹሉ መዳይ ስርሓ ጀመረት።
ብድሆ ዋልታ ስዊዝ ወላ’ኮ ነቲ ክኸይድ ዝጸንሐ ጸፋዕፋዕ ባዶ ሃገራዊ ሞራል ዝኾኑ ስያመ ብርጌድ ንሓመዱ ዘለዎም ይከታተሎ እንተነበረ ቀንዲ መንቀሊ ዕትብቲ ግን ኣብ 2023 ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ዝኽሪ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ንምጽምባል ኣብ ኩሉ ዞባታት ስዊዝ ምድላዋት እንተነበረ ኣብ ከተማ ዙሪኽ ነዚ ኩቡር በዓል ንምጽምባል ምትእኽኻብ ንዝገበሩ ሕቡናት ሃገራውያን ኣካለጉድኣት ምስ ወረዶምን ንኤርትራዊ ምስሊ ብደረጃ ስዊዝ ክድወን ምስተፈተንን እዩ።
ነዚ ኩሉ ንምክልኻልን ኲንዮ’ቲ ተፈጢሩ ዝነበረ መሰል ናይ ምትእኽኻብን ምጥርናፍን ምኽልካል ሕጋዊ ናይ ምእካብ መሰል ንምንጋስ ብዕቱብነት ክስረሓሉ ተጀሚሩ ከም ውጽኢቱ ድማ ብዕለት 09/12/2023 ብድሆ ዋልታ ስዊዝ ብወግዒ ቆይሙ ዕላምኡ ነቲ ዝነበረ ማዕበል ዓሻ ንሓመዱ ኣባኺኑ መሰል ምትእኽኻቡ ኣረጊጊጹ ደረቱ ነፊሑ ደው ኢሉን ኣሎን።
ንእግረመንገድና ግን ሓደ ሸለል ኢልካ ክሕለፍ ዘይከኣል ዘይቁርዑይ ካብ ሃገራዊ መንፈስ ዝራሓቐ ሰረተ መትከላዊ እምነቶም እንታይ ምንባሩ ዘይንጹር ገለ ወገናት ደረት ስልጣኖም ተጠቒሞም ነቲ መደብ ክውን ንኸይከውን ሃገራውያን ኢና በሃልቲ ኣምሰሉ ተለኣኣኽቲ ሓዊስካ ዝተቓለስዎ ምንባሮም ምዝኽኻር የድሊ። እቲ ንምዕንቃፉ ዝስራሓሉን ዝፍብረኽ ዝነበረን ማእለያ የብሉን ገለ ገሊኡስ ንኽትዛረበሉ ኣዝዩ ዘሕፍር ኣብ ኤርትራዊ ኣተሓሳስባን ባህልን ዘየለ ንፍልልያት ንኽጥዕሞም ኣዝዩ ጽዩፍ ናይ ሰነፋት ዝወደቐ ኣተሓሳስባ ሜላታት ክጥቀሙ ምኽኣሎም እዩ።
ነዚ ኩሉ በዲሁ ብድሆ ዋልታ ስዊዝ ድማ ብግብሪ ክውን ክኸውን ጌርዎ።
ብድሆ ዋልታ ስዊዝ ብተወሳኺ ኣብ ድርብ ስራሕ ኣተወ 
ጸረ ውሽጣዊ ብልሽውናን ሕድሕድ ክፍጠር ዝተደልየ ፍልልያት የዕቢኻ ናብ ረጽሚ ምእታውን !!!!!!
እዞም ብደገ ይኹን ብውሽጢ ዘጋጠምዎ ብድሆታት ንብድሆ ዋልታ ስዊዝ ናበይ ኣምሪሖሞ ዝብል ከም ዝኸውን ሕቶኹም ርግጽ እዩ።
ምናልባት ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር ሕጋዊ መስርሕ ናይ ምውሓስ ናይ ምእካኣብ መሰል እንተተኸቲልካ ኩሉ ግዜ ዓወት እዩ። ድሕሪ ዝነበረ ፈላሚ ርክብ ዕለት 09/12 ዳግማይ ሓይሉ ኣደልዲሉ ብዕለት 31/03/2023 ኣብ ከተማ ሶሎቶርን ሰፊሕ ምትእኽኻብን ንዳግመ ምውዳብን ጽምብሉ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣጋጣሚ ድማ ሓደ ፍጻመ ኣጋጢሙ ምንባሩ ኩሉ ነባሪ ስዊዝ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።
ኣብዚ ኣጋጣሚ ብድሆ ዋልታ ስዊዝ ነቲ ብሕግን ስርዓትን ተኸቲሉ ዝመደቦ ጽምብል ንምዝራግ ዘይሕጋውያን ዓሻ ንሓመዱ ዘርጊ ንምፍጣር ዕስለ ኮይኖም ምምጽኦምን ብኣኸበርቲ ጸታ ናይቲ ዞባ ተገሪፎም ምኻዶምን ንፈልጦ ሓቂ’ዩ።
ስዒቡ ዝመጸ ግን ሓደ ፍጻመ ኣጋጢሙ እቶም ናይ ጸታ ሓይልታት ናይቲ ዞባ ንብድሆ ዋልታ ስዊዝ ክኸስስ እዩ ፈቲኑ። ኣብዚ ክሲ እዚ ናይ ገለ ሃሱሳት ኲንዮ ሃገራውን ህዝባውን ጥቕሚ ብከስዖኦም ዝሓስቡ ጭራም ኣእዳው ኣእታውነት ከም ዝነበሮ ውን ዘይከሓድ እዩ።
ጉዕዞ ቀጺሉ ናብ ቤት ፍርዲ ናይቲ ዞባ ኣምረሐ በቲ ዝነበረ ፍርዲ ናይቲ ዞባ ድማ ልዕሊ 28’ሽሕ ብድሆ ዋልታ ስዊዝ ክቕጻዕ ወሰነ። ብድሆ ዋልታ ስዊዝ ድማ ነዚ ውሳነ እዚ ብምንጻግ ናብ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ንኽሓልፍ ሓተተ፡ ብመሰረት ሕትኡ ድማ ጉዳይ ብድሆ ዋልታ ስዊዝ ናብ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ሓለፈ።
ከምቲ ልዕል ኢሉ ተጠቒሱ ዘሎ ሕግን ስርዓትን እንተተኸቲልካ ብቐንዱ ድማ ኣብ መትከል ሓቂ ደው እንተልካ ዓወት ዘይተርፍ እዩ። ስለዚ ውጽኢት ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ስዊዝ ነቲ ዝነበረ መስርሕ ብምርኣይ ብድሆ ዋልታ ስዊዝ ጌጋ ከምዘይተረኽቦን ንሙሉእ ናይ ምእካብ መሰሉ ዝሕሉን ሓደ ውሳነ ኣሕሊፉ እቲ ውሳነ ድማ ብዓወት ብድሆ ዋልታ ስዊዝ ተፈጸመ፡ኲንዮ ርትዒ ድማ ይትረፍ ኣብ ልዕሊኡ ተመዲብሉ ዝነበረ ሽርሒ ዝተሓወሶ ዕዳ ልዕሊ 28 ሽሕ ክኸፍልሲ፡ ክከሓስ ከም ዘለዎ ውን ተሪር ውሳነ ኣሕሊፉ።
ስለዚ ንኩሉ ኣባል ብድሆን ስነሓሳብ ስነ ሞጎት ብድሆን ንዝድግፉ እንቋዕ ሓጎሰና ክንብል ብሓጎስ ነበስር።
እዚ እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይ ዓወት እዩ 
ብገለ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ኣምሰሉ ሃገራውያን ኢና በሃልቲ ብተናጸል ንብድሆ ንምድኻም በብጉጅለ ብሙኻን ንገለ ኣባላት ብድሆን ጸለውቲ ሰባትን ኣብ ሕጊ ናይ ስዊዝ ብጸለመ ክኸሱ ተራእዮምን ጉዳያቶም ብቐደም ተኸተል ክቕጽል ጸኒሑን። እንተኾነ ኣምሳያ ተንኮል ክፍኣቶም ኩለን ንኣባላት ብድሆ ንምጥቃዕ ዘእተውወን ክስታት መርዚ ኮይነን ኣብ ርሶም ተገልቢጠንኦም።
እቶም ሰብ ሓቅን መትከልን ብዓሎቕ ተኸሲሶም ዝጸንሑ ድማ ዓወቶም ጨቢጦም በትሪ ሓቆም ተገዚሞም ካብ መጋባኣያ ተርኒዖም ወጺኦም። ሕጂ ውን ደጊምና እንቋዕ ሓጎሰና ብድሆ ዋልታ ስዊዝ።
ኣብ መወዳእታ ምናልባት እቲ ዝርዝራት ብድሆታትን ዓወታትን ብድሆ ዋልታ ስዊዝ ብዙሕ እኮ ንተኾነ ብኸፊል ግን ነዚ ተገሊጹ ዘሎ ይመስል።ብሓፈሻ ግን ኩሎም ፍጻመታት በብኽፋሉ ናባኹም ናብ ኣንበብትን ጉዱሳትን ሓበሬታና ንምምሕልላፍ ደው ኣይክንብል ኢና።
ብድሆ ዋልታ ስዊዝ ፍልስፍና ህ፡ግ ተቐኒቱ ንብልሽውናን ዓመጽን ንምግታእ፡ ኤርትራዊ ክብርታት ንምዕቃብ ጉዕዙኡ ቀጻሊ እዩ።
ሕጂውን ብድሆ!!! 

This Post Has 5 Comments

  1. Rgat

    Bedeho

  2. Taddese kahsay

    ዝኸበርኩም ብድሓውያን እዚ ትገብርዎ ዘለኩም ንዕብየት ሃገርን ህዝብን ሕጋዚ አዩ እሞ ኣጀኹም ቀጽልዎ ::

  3. Genet

    Good job

  4. Genet

    Good job

Leave a Reply