

5 መስከረም 2026 ብድሆ ዋልታ ስዊዝ ኣብ ከተማ በርን፡
ትማሊ ዕለት 5 መስከረም 2026 ብምኽንያት ምጅማር ገድልን ሰውራን ንመላእ ሓርነት ኤርትራን ህዝባን ኣብ ዝተገብረ ምኽባር፡ ብድሆ_ዋልታ_ስዊዝ ምስ መትከላውያን ኣባላቱ ተራኪቡ ብምጽንባል በዚ ኣጋጣሚ ድማ ብዙሕ ንጥፈታት ንምክያድ ብዝክረ ሰማእታት ፈሊምዎ።
ብድሆ ነቲ መሰረትና ዝኾነ ኣብ 1 መስከረም 1961 ዝፈለመ ናይ 30 ዓመት ጉዕዞን ከርተትን ንመላእ ሓርነትና ኤርትራን ህዝባን ዝኾነ ታሪኻዊ በዓሉ ብኽብሪ ዘኪሩ፡
ብድሆ በዚ ዕለት እዚ ኣጋጣሚ መኣዲ ዘተ ብምግባር ዝነበረን ዘሎን ውሽጣዊ ጉዳያቱን ዓወታቱን ግዜ ሂቡ ንነዊሕ ብምዝታይ ሑሉፍን ዘሎን ገምጊሙን ተማያይጥሉን፡ ጉድለታቱ ብምእራምን ብልጽነቱ ብምድናቕን ከኣ ኣብ ናይ መጻኢ ጉዕዞኡ ብምትኳር ብጹፉፍን ኣገባቡ ዝሓለወን ብስልጡን መንገዲ ውጥናቱ ሓንጺጹ። ብድሆ ኣብ ሓደ መደብ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝበለጸ ናይ ዓወት መዛግብ ፈጺሙ፡፡
ብድሆ ጉዕዞን ቃልስን ውሑዳ ክመስል ይኽእል ዩ፡ እቲ ዕላምን መትከልን ቃልሱ ግን ፍታሕ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ዩ። ስለዚ ክሳብ ሒጂ ዝተጎንጸፎ ዓወታት ኣዝዩ ብዙሕ ዩ፡ ዝተረፈ ከሳልጥን ከጻፍፍን ከኣ ቁልፉ ሸጥ ኣቢሉ እጅገኡ ሰብሲቡ ንቅድሚት ክምርሽ ዩ። ሰለዚ ብፍላይ ኩሉ ኣብ ድያስፖራ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዘሎ ሓባራዊ ሽግር ንምፍታሕ ኢዱ ክሕውስን፡ ውልቃዊ ረብሓታት ንጎኒ ገዲፉ ብድፍረት ናብዚ ሓባራዊ ፍታሕ ዘምጽእ ጉዕዞ ክሳተፍ ናይ ኩሉ ግዜ ጻውዒት ብድሆ ዋልታ ስዊዝ ዩ።
ኣብ መወዳእታ መደብ ከኣ ሰማእታቱ ብሕልና ብምዝካር ብሰላም ስሩሑ ኣሰላሲሉ ዝነበሮ መደቡ ዓጽዩ ብሰላም ነናብ ቤቱ ተመሊሱ።
ከም ወትሩ ብድሆ ይዕወት!
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ፡
ዓወት ንሓፋሽ

Selam
Selam Fitiwi