You are currently viewing 20 ሰነ 2026 ኣብ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ

20 ሰነ 2026 ኣብ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ

 ሎሚ ዕለት 20 ሰነ 2026 ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ካንቶን በርን ስዊዘርላንድ ትርጉም ሓዘል ዝኽርን ህጻናት ተማሃሮ ኣፍልጥኦም ንምዕባይን ንምስፋሕን ትምህርታዊ መግለጽን ኣስተምህሮን ሰፊሕ ሸፈነ ናይቲ ዝነበረ መደብ ናይ ግዜ መቓን ዝተራእየሉ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፉሉይ ዝገብሮ ምንባሩ’ዩ።

ኲንዮ ዝኽርን ሽምዓ ምውላዕን ድማ ናይ ሎሚ ዝያዳ ፍሉይ ዝገብሮ ህጻናት ተማሃሮ ትርጉም መዓልቲ ስውኣት ንምፍላጥ ሕቶታት ከብዝሑን ነዚ ረዚን ዕለት ዘንጸባርቕ ግጥሚ ከንብቡ ምኽኣሎምን’ዩ።

ኣብ መወዳእታ ዝተወልደን ዝተማህረን ይዕምብብ’ዩ ‘ሞ ህጻናት ደቅና ኩልንትናዊ ኤርትራዊ ሕብሪ ክፈልጡ ንዘለዎም ዓቕምን ኣፍልጦን ንምድላብ ኩሉ ወላዲ ተርኡ ክጻወት ይግባእ።

ስውኣትና ወትሩ ኣብ ልብና !!!!!!

ሰማእታትና ብሓቅን ግብርን ይደበሱ 

ዓወት ንሓፉሽ !!!!!

This Post Has 2 Comments

  1. Tesfa

    zkri nsematatna.

Leave a Reply